ህፁፅ ፃውዕዒት ንግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ 

ሚያዝያ 27፤2023

ዋኒኑ፤ ህፁፅ ፍታሕ ዘድልዮን ኣብ ኣዚዩ ዘተሓሳስብ ብርኺ ዝበፅሐ ፅንተት ህዝቢ ኢሮብን ኣብ ቀረባ መዓልቲ ክቡር ጀነራል ፃድቃን ገ/ትንሳኤ ምስ ተለቭጅን ትግራይ ኣብ ዝገበሩዎ ቃለ መሕተት ብዛዕባ ህዝቢ ኢሮብ ዝሃቡዎ ግጉይ ሓብሬታ ይምልከት

ትግራይ ምስ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ስምምዕነት ምቁራፅ ተፃብኦ ካብ እትፈራረም ናብ ሽድስተ ወርሒ ኣብሉ ከምዝኾነ ይፍለጥ፡፡ ኣብቲ ስምምዕነት ካብዝተካተቱ ዓበይቲ ጉዳያት እቲ ሓደ ካብ መከላከሊ ሓይሊ ኢትዮጵያ ወፃኢ ዝኾኑ ወረርቲ ሓይልታት ምስ ዕጥቂ ምውራድ መከላከሊ ሓይሊታት ትግራይ ኣብ ሓደ እዋን ካብ ትግራይ ክወፁ ምዃኖም ይገልፅ፡፡ ሓይሊታት ትግራይ በቲ ስምምዕነት መሰረት ዕጥቅ ዘውረደ እንተኸውን ወረርቲ ሓይሊታት ኤርትራን ኣምሓራን ብዙሓት ግዝኣታት ትግራይ ብሓይሊ ተቆፃፅሮም ህዝቢ ኣብ ምጭፍጫፍ፤ምጭዋይ፤ ምፍንቓልን ሰብኣዊ ሓገዝ ንህዝቢ ከይበፅሕ ምኽልካልን ቀፅሎሙሉ ይርከቡ፡፡ ካብቶም ብወረርቲ ሓይሊታት ተጎብጠን ግፍዕታትን ፅንተትን ይፍፀሙለን ካብዘለው ግዝኣታት ትግራይ ሓንቲ ወረዳ ኢሮብ ሙዃና ዝፍለጥ'ዩ፡፡ 

መብዛሕቲኡ ጣቢያታት ወረዳ ኢሮብ ብወራሪ ሓይሊ ኤርትራ እናፀነተ ልዕሊ ክልተ ዓመትን ፈረቃን ገይሩ ከምዘሎ'ውን ዝፈለጥ'ዩ፡፡ ካብ ወራሪ ሓይሊ ሓራ ኣብ ዝወፃ ጣቢያታት ዘሎ ህዝቢ'ውን እንተኾነ እቲ ወራሪ ሓይሊ መንገዲ ዓፅዩ ሰብኣዊ ሓገዝ ከይሓልፍ ስለዝገበረ ድሕሪ ስምምዕ ሰላም እንተኾነ'ውን ብጥሜትን ሳኣን ሕክምናን መድሓኒትን ይሃልቕ ኣሎ፡፡ ህዝቢ ኢሮብ ብቁፅሪ ውሑድ ምስሙዃኑ፤ ሰለባ ተደጋጋሚ ጥቅዓት ወራሪ ሓይሊ ኤርትራ ስለዝኾነ መንነቱ ዓቅቡ ክቅፅል ኣብዘይክእለሉ ብርኪ ምፅናት ከምዝርከብን ህፅፁ ፍታሕ ከምዘድልዮን ንኹሉ ግልፂ እዩ እልና ንኣምን፡፡ እዚ ንነውሕ ግዘ ዝቀፀለ ፅንተት ህዝቢ ኢሮብን ኣብ ተመሳሳሊ ብርኺ ፅንተት ዝርከብ ህዝቢ ኩናማን ፍሉይ ጠመተ ክግበረሎምን ካብ ፅንተት ክድሕኑን ህፁፅ ፍታሕ ንክግበር ኣብቲ ግዘ ናይ ዘርኢ ምፅናት ኹናት ንመንግስቲ ትግራይ፤ ድሕሪ ስምምዕ ምቁራፅ ተፃብኦ ኸዓ ትግራይ ወክሉ ምስ ፈደራል መንግስቲ ዝተደራደረ ሓይሊ ትግራይ፤ዳሓር እውን ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምስተጣየሸ፤ ንግዝያዊ ምምሕዳር ፃዊዒት እናቅረብና ከምዝፀናሕና ይፍለጥ፡፡ 

እዚ ከምዚ እናሃለወ፤ ብዕለት14/08/2015 ዓ/ም ምክትል ፕረስደንቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይን ሓላፊ ክላስተር ድሞክራታይዘሽንን ዘይምእኩል ምሕደራን ዝኾኑ ክቡር ጀነራል ፃድቃን ገ/ትንሳኤ ምስ ተለቭጅን ትግራይ ኣብ ዝገበሩዎ ቃለ መሕተት፤ ብዛዕባ ወራሪ ሓይሊ ኤርትራ ዘይምውፃኡን ፅንተት ህዝቢ ኢሮብን ኩናማን ብፍሉይ ኣብ ሓደገኛ ብርኪ በፂሑ ከምዘሎ ብጋዜጠኛ ኣብዝቀረበሎም ሕቶ፤ ጀነራል ፃድቃን እቲ ወራሪ ሓይሊ ኤርትራ ኣብዞም ህዝቢታት ዘብፅሖ ዘሎ ፅንተትን ግፍዕን ዝፈልጡዎ ምዃኑ፣ ትግራይ ወክሎም ምስ ፈደራል መንግስቲ ዝደራደሩ ከምዘለውን ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ፍታሕ ንክርከበሉ ኩሉ ግዜ ዘልዕሉዎ ጉዳይ ምዃኑ ድሕሪ ምግላፅ፤ እቲ ሽግር ንምፍታሕ ኣፀጋሚ ካብ ዝገበሮም ነገራት ሓደ ኣሰፋፍራ ክልትኦም ህዝቢታት ኣብ ትግራይን ኤርትራን ስለዝኾነ እዩ እሎም ኣብዝሃቡዎ ሓበሬታ፣ ህዝቢ ኢሮብ ኣብ ኤርትራ'ውን ይርከብ ዝበልዎ ብፍፁም ጌጋ ዝኾነ ሓብሬታ ስለዝኾነ ንማሕበርናን ህዝቢ ኢሮብን ብፍሉይን ብሓፈሻ ኸዓ ንህዝቢ ትግራይ ዘሕዘነ ምዃኑን ብምሕባር ህፁፅ መአረምታ ንክግበረሉን ንክቡር ጀነራል ፃድቃንን ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይን ብትሕትና ንሓቲት፡፡ 

ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይን ክቡር ጀነራል ፃድቃንን መንነት፤መቦቆልን ታርኽን ህዝቢ ኢሮብ ከምኡ'ውን መሬት ኢሮብ ክጠፍኦም ይኽእል'ዩ እልና ክንኣምን ከብድ'ዩ፡፡ ህዝቢ ኢሮብ ኣብ ትግራይን ኣብ ትግራይን ጥራሕ ዝርከብ ብሄረሰብ እምበር ኣብዝኾነ መዋእል ታሪኹ ኣካል ኤርትራ ይኹን ኤርትራዊ ኮይኑ ኣይፈልጥን፤ ኣብ ኤርትራ'ውን ኢሮብ ዝበሃል ብሄረሰብ ይኹን ማሕበረሰብ የለን፡፡ ህዝቢ ኢሮብ ብመቦቆሉ፤ ብታሪኹን ኣበርክቶኡን ማእኸል ትግራይን መንነት ትግራይን ዝኾነ ህዝቢ እዩ እምበር ወሰን እውን ኣይኮነን፡፡ ብሔረሰብ ኹናማ'ውን እንተኾነ ኣብ ክልትኡ ቦታ ዝርከብ ምዃኑ ንናይ ትግራይ ኹናማ ኻብ ፅንተት ንምክልኻልን ንዘይምኽኣል ምኽኒያት ክኸውን ኣይኽእልን፡፡ ናይ ክልትኦም ህዝብታት ይኹን ካልኦት ተጋሩ ካብ ፅንተት ምድሓን ዝከኣል ወረርቲ ሓይሊታት ኤርትራን ኣምሓራን ብመሰረት ስምምዕ ሰላም ካብ ሙሉእ ሕገመንግስታዊ ግዝኣታት ትግራይ ንክወፁ ብምግባር ቅድሚ ወራር ዝነበረ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ብምርግጋፅ ጥራሕ'ዩ፡፡

ክቡር ጀነራል ፃድቃን ኣብዚ ላዕሊ ዝተጠቀሰ ቃለ መሕቲት ካብ ጋዜጠኛ ዝቀረቦሎም ሕቶ መሰረት ብምግባር እቶም ወረርቲ ሓይሊታት ካብ ትግራይ ከመይን መዓዝን ክወፁ ከምዝኽእሉ ኣብዝሃቡዎ መልሲ ካብዝምልከቶ ኣካል (ፈደራል መንግስቲ) ንፁር መልሲ ዘይረኽቡ ምዃኖም ምግላፆም፤ ምስቲ ቀፃልን ኣብ ሓደገኛ ብርኺ በፅሑ ዘሎ ፅንተት ህዝቢ ኢሮብ ክረአ ከሎ ብጣዕሚ ዘተሓሳስብ እዩ፡፡ ብፍላይ ወራሪ ሰራዊት ኤርትራ ጎብጡ ሕዝዎም ኣብ ዘለው ጣቢያታት ኢሮብ፤ ነቲ ህዝቢ ብውዕሊ ኣልጀርስን ኮሚሽን ዶብን ዝተወሰነለይ ስለዝኾነ ኣይወፅእን እሉ ንህዝቢ ብግዲ መንነቶም ክቅይር ይፍትን ከምዘሎ'ውን ጥሉል ሓብረታ እናበፅሐና ፀንሑ'ሎ፡፡ 

እንተኾነ እዚ ዝተጠቅሰ ውዕሊን ውሳነን ብወገን ኤርትራ ብዙሕ ከይፀንሐ ዝፈረሰ ውዕሊ ኣልጀርስ መሰረት ዝገበረ ጥራይ ዘይኮነስ ዝኾነ ዓይነት ታርኻዊ፤ ሕጋዊን ምምሕዳራዊን መሰረት ዘይብሉን ካብ ድሌት ህዝቢ ወፃእ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ መሰል ዓርሰ ውሳነ ህዝቢ ኢሮብ ዝጥሕስ'ውን እዩ። ብተወሳኺ ንውሑዳንን ደቂኣባት ዝኾኑ ህዝብታት ብዝምልከት ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዝደንገጎ ዓለምለኸ ሕግታት ዝጠሓሰ ውሳነ ኮሚሽን ዶብ ብፍፁም ተቀባሊነት ከምዘይብሉን ብሓይሊ ተግባራዊ እንተኾይኑ ህልውና ህዝብ ኢሮብ ምሉእ ንምሉእ ዘጥፍእ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ሞንጎ ትግራይ/ኢትዮጵያን ኤርትራን ክህሉ ናይ ዝግባእ ዘላቂ ሰላም ጠንቂ ክኸውን ከምዝኾነ ክፍለጥ ኣሎዎ፡፡ ህዝቢ ኢሮብ ብፍላይ ህዝቢ ትግራይ ድማ ብሓፈሻ እዚ ውሳነ ብፍፁም ከምዘይቅበሎ ተፈልጡ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብዚ ጉዳይ ብፍፁም ክደራደር ከምዘይብሉን እኳ ዳኣስ እዚ ወራሪ ሓይሊ ኤርትራ ብስምምዕ ውዕሊ ፕሪቶሪያን ናይሮቢን መሰረት ወረዳ ኢሮብ ሓውሱ ጎቢጡ ሕዙዎም ካብዘሎ ግዝኣታት ትግራይ ብህፁፅ ክወፅእ ብዕቱብ ክስረሐሉ ንሓቲት፡፡

ክቡር ጀነራል ፃድቃን ይኹኑ ካልኦት ሓለፍቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምስ ዳያስፖራ ማሕበረሰብ ኢሮብን ኣብ ትግራይ ምስዘለው ዓበይቲ ዓዲን ተወከልቲ ህዝብን ኣብዞም ዝተጠቅሱ ጉዳያትን ካሎኦት እዋናዊ ኩነታት ህልውና ህዝቢ ኢሮብ ብዝምልከት ንክዘራረቡ ንሓትት፡፡ ህዝቢ ኢሮብ ብሰለማዊ ሰልፊን ብተወከልቱን ኣብሉ ንልዕሊ 20 ዓመታት ንውዕሊ ኣልጀርስን ውሳነ ኮምሽን ዶብን ተቋዊሙ ቅድሚ ኹናት ንዝነበረ መንግስቲ ትግራይን ፈደራልን ዘቅረቦም ሕቶታቱ መልሲ ኣይረኸበን፡፡ ንልዕሊ 20 ዓመት ብኤርትራ ተጨውዮም ሃለዋቶም ዘይተፈለጠ ልዕሊ 100 ዝኾኑ ሰለማዊያን ደቂ ኢሮብ ብዝምልከት እናቀረበ ዝፀንሐ ሕቶ'ውን በቲ ቅድሚ ኹናት ዝነበረ መንግስቲ ትግራይን ፈደራል መንግስትን ዝኾነ ዓይነት ምላሽ ከይተውሃቦ ዝፀንሐ ምዃኑ ዝፍለጥ'ዩ፡፡ ስለዝኾነ እቲ ናይ ዝርርብ መድረኽ ኣድላይ ምዃኑ እናገለፅና እቲ መድረኽ ንምምሽሻው ኢሮብ ኣኒና ሲቪል ማሕበረሰብ ቅሩብ ምዃኑን ድልየት ከምዘለዎን ክገልፅ ይፈቱ፡፡

ክፋል ትግራይ ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ሓይሊታትን ኣብ ቀፃላይ ፅንተትን ኮይኑ፤ ሰላም ዝኸውን ክፋል ትግራይ የለን!

ኢሮብ ኣኒና ሲቪል ማሕበረሰብ

እዚ ፃውዒት ዝድግፋ ትካላትን ውዳበታትን ዲያስፖራ ትግራይ:

  1. Legacy Tigray
  2. Tigray Action Committee
  3. OMNA Tigray
  4. Security and Justice for Tigrayans
  5. Dekna Foundation
  6. Health Professionals Network for Tigray
  7. United Tegaru Canada
  8. Tigray Disaster Relief Fund