ህፁፅ ሓብሬታን መተሓሳሰቢን ኢሮብ ኣኒና ሲቪል ማሕበረሰብ 

ነሓሰ 03/2021 

ብሽም ዝፈረሰ ማሕበር ሮብ ኣድቮካሲ ኣሶሴሽን (ኢኣኣ)/Irob Advocacy Association (IAA) ውሑዳት ውልቀሰባትን ሹመኛታት ብልፅግናን ዝገብርዎ ዘለ ምንቅስቃስ ኣመልክቱ ህፁፅ ሓብሬታን መተሓሳሰቢን ንተጋሩን ፈተውቲ ተጋሩን

ኢሮብ ኣድቮካሲ ኣሶሴሽን (ኢኣኣ)/Irob Advocacy Association (IAA) ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኣብሉ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ዶብ ኢትዮ ኤርትራ ብዝምልከት ኮምሽን ዶብ ኢትዮ ኤርትራ ኣብ ሄግ ዘሕለፎ ውሳነ ብዘይ ቅድመ ኹነት ተቀብለ ኣለኹ ምስበለ ብዋናነት እዚ ውሳነ ዝኮነ ሕጋዊን ታርካዊን መሰረት ዘይብሉ ምዃኑን ህልውና ህዝቢ ኢሮብ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ስለዝኾነ ቅቡልነት ዘይብሉ ምዃኑን ቅድሚ 23 ዓመታት ኣብሉ ብኤርትራ ዝተጨወዩን ሃለዋቶም ዘይፍለጥን ልዕሊ 97 ዝኾኑ ሲቪላት ደቂ ኢሮብ ድምፂ ንምዃን ዝተመስረተ ማሕበር’ዩ ነይሩ፡፡ ኣብ ውሽጢ ዓዲን ዲያስፖራን ተወድቡ እናሰርሐ’ውን ፀንሑ’ዩ፡፡ ኣብዛሓ ኣባላቱ ግን ነበርቲ ዲያስፖራ’ዮም ነይሮም፡፡ 

ብሽፋን 'ሕጊ ምክባር' መንግስቲ ኢትዮዽያ፤መከላከሊ ሰራዊት ፈደራል፤ ፍሉይ ሓይሊን ምልሻን ኣምሓራ፣ባዕዳዊ መንግስቲ ኤርትራ፣ ወታደራት ሶማሊያ ከምኡ’ውን ድሮናት ኢማራት ዓረብ ኣዋድዱ እዞም ናይ ልፍንቲ ሓይሊታት ተጠቅሙ ኣብ ልዕሊ ትግራይን ህዝባን ወራርን ዘርኢ ናይ ምፅናት ኹናት ምስተኣወጀ ኣብዛሓ ኣመራርሓን ኣባላትን ኢሮብ ኣድቮካሲ ኣሶሴሽን ዲያስፖራ እዚ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኣወጀ ወራርን ዘርኢ ናይ ምፅናት ኹናትን ብዘይ ውዓልሕደር ብትሪ ክንኩንኖን ንህዝብና ድምፂ ክንኸውንን ይግባእ ክብሉ ከለው ኣብ ኣመራርሓ ካብዝነበሩ ኣርባዕተ ውልቀሰባትን ክልተ ተራ ኣባላት ዝነበሩ ብድሕሪት ግን ምስቶም ኣርባዕተ ኣባላት ኣመራርሓ ሓደግቲ ገበርቲ ዝነበሩ ውልቀሰባት ንምእማኑ ዝከብድ ተቃውሞን ፈተነ ዓፈናን ኣጋጥሙና፡፡ ዝግበር ዘሎ ሕጊ ናይ ምክባር ስራሕ‘ዩ፤ ‘ዘመተ ሕጊ ምክባር’ ኣብ ቀረባ ግዜ ዝጠናቀቅ ስለዝኮነ ክሻዑ ማሕበርና ሱቅ ኢሉ ክፀንሕ ኣሎዎ ዝብል ፍፁም ተቀባሊነት ዘይብሉ ሓሳብ ኣቅርቦም፤ ነቲ ማሕበር ንምዕፋን’ውን ተንቀሳቅሶም፡፡ ካብዞም ሺድሽተ ውልቀሰባት ክውሕድ ሓደ ኣባልን ወክልን ፖለቲካዊ ሰልፊ ትዴት (ብኣረጋዊ በርሀ ዝምራሕ) ክኸውን ከሎ፤ ክልተ ኸዓ ልዕሊ 30 ዓመት ተቃወምቲ ሕወሓት እና በሃልቲ ይርከቡዎም (ዳሓር’ዃ ምቕዋም ዘይኮነስ ካብ ዓቀን ዝሓለፈ ፅልኢ ምዃኑ ተርድኡና):: ኣብ ዲያስፖራ ኣቦ ወምበር ማሕበርና ዝነበሩ ኸዓ ካብዞም ውልቀሰባት ሓደ’ዮም ነይሮም፡፡ 

እዞም ኣመራርሓ ነበር ውልቀሰባት ማሕበርና ካብ ዝተመስረተሉ ዓላማ ወፃኢ ምስተንቀሳቀሱ ኣብዛሓ ኣመራርሓን ኣባላትን ኢሮብ ኣድቮካሲ ዲያስፖራ ገምግሙ ካብ ኣመራርሓ ከውርዶምን ካብ ጉጉይ መንገዲ ንክእረሙ ኣኼባ ንክፅወሎም እንትሓቱ እውን ናብ ክልተ ወርሒ ዝኣክል እዞም ውልቀሰባት ብኣቦ ወምበር ኣብሎም ዝተፈላየ ዕንቅፋት እናገበሩ ድሕሪ ምፅናሕ ኣብ መጨረሻ ብኣስገዳድ ኣባላትን ኣብዛሓ ኣመራርሓን ኣኼባ ተፀውዑ ዝተፈላለ ዕንቅፋት እናገበሩ ናይ ኣመራርሓ ምርጫ ከይተገብረ ግዜ ኣክሉ፤ ኣመራርሓ ንምቅያር ኸዓ ቀፃሊ ኣኼባ ተፀውዑ፡፡ ኣብዚ ብቀፃላይ ዝተገብረ ናይ መጨረሻ ኣኼባ እዞም ኣመራርሓ ነበር ውልቀሰባት ተሳትፎም ብኣብዛሓ ድምፂ ምስተሸነፉ ኣኼባ ኣባላት ረግፆም ወፅኦም፡፡ ኣባላት ኢኣኣ ድያስፖራ ግን ኣኼባኦም ቀፅሎም ሓደሽቲ ኣመራርሓ እውን መርፆም ስራሖም ጀምሮም፤ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ምስዝነበሩ ስራሕ ፈፃሚ ኮሚቴ ብምዃን እዞም ውልቀሰባት ክእረሙን ኣብ እዶም ዝነበረ ንብረታት (ትዊተር፤ፈይስቡክን ካልኦት ኣካውንትታት ሓውሱ) ንኸረክቡ ምሕታት ጀምሩ፡፡ እዞም ውልቀሰባት ግን ክእረሙ ይኩን ኣብ እዶም ዝነበሩ ንብረታት ከረክቡ ፍቃደኛታት ከይኮኑ ተሪፎም፡፡ 

ብዙሕ ከይፀናሕና ዝተረዳእናዮ ግን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝነበሩ ሓሙሽተ ኣባላት ዘለውዎ ስራሕ ፈፃሚት ኮሚቴ ኣባላት’ውን ምስቶም ኣብ ዲያስፖራ ዝነበሩ ኣመራርሓ ነበር ውልቀሰባት ተሻርኾም ካብ ዕላማን ሕገደምቢን ማሕበርና ወፃኢ ይንቀሳቀሱ ከምዝነበሩ እዩ፡፡ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝነበሩ ኣባላትን መስረቲን ኣግልሎም እቲ ውዳበ ንፖላትካዊ ዕላማ ክጥቀሙሉን ጀምሮም፤ ኣብ ዲያስፖራ ዝነበረ ውዳበ’ውን ካብ ሕገደምቢ ወፃኢ ከፍርስዎ ተንቀሳቅሶም፤ ኣፍርስናዮ ኣለና ዝብል መግለፂ’ውን ዘርግሖም፡፡ ስለዝኮነ ኸዓ እቲ ኣብዛሓ ኣባላት ኢኣኣ ሕዙ ዝነበረ ኢኣኣ ዲያስፖራ፤ ኢኣኣ ንክፈርስ፤ ዕላማታት ኢኣኣ ግን ዝኣምንሉ ስለዝነበረ ዝመሓየሽ ኣመሓይሹን ዝውሰክ ወስኩን ከም ብሓድሽ ኣብ ዲያስፖራ ሕጋዊ ፍቃድ ኣውፅኡ ክውደብ ወስኑ፡፡ እዚ ብዝምልከት ብለካቲት 11፤2021 ዘውፃእናዮ መግለፂ ኣብ ወብሳይትና ዝርከብ እንትኸውን በቲ ውሳነ መሰረት ኸዓ ኢሮብ ኣኒና ሲቪል ማሕበረሰብ ዝብል ውዳበ ሲቪል ማሕበረሰብ መስርትና ብዓቅሚና ድምፂ ህዝቢ ኢሮብን ምስ ካልኦት ማሕበራት ተጋሩ ዲያስፖራ ብምትሕብባር ድምፂ ትግራይን ኩሎም ተጋሩን ኮይንና እናሰራሕና ከምዘለና ዝፍለጥ‘ዩ፡፡ 

ይኩን ዳኣ’ምበር እቶም ኣብ ዲያስፖራን ውሽጢ ዓዲን ዘለው ውሑዳት ኣመራርሓ ነበር ውልቀሰባት ሎሚ’ውን ብሽም ዝፈረሰ ማሕበር ኢኣኣ ምንቅስቃስን እቶም ናይ ህዝቢ ማሕበር ዝነበሩ ኣካውንትታት ተጠቅሞም ካብ ህዝቢ ገንዘብ ምትእክካብን ምጭብርባርን (ቅድም ኣብሉ ኮቭድ 19 ብዝምልከት ብኣባላትን ነበርቲ ዲያፖራን ንህዝቢ ኢሮብ ሓገዝ ክኸውን ዝተኣከበ ብዙሕ ገንዘብ እዞም ውልቀሰባት ንህዝቢ ከምዘየብፀሑ ዝፍለጥ‘ዩ) ከምኡ’ውን ድምፂ ህዝቢ ከምዝኾኑ ኣምስሎም ኣብ ሶሻልን ስሩዕ ሚዲያታት’ውን ብህዝቢ ኢሮብ ፍፁም ተቀባሊነት ዘይብሎም ሓሳባት የቅሪቡ ስለዘለው እዚ ኣገዳሲ ሓብሬታን መተሓሳሰቢን ንተጋሩ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ከነቕርብ ተገድድና ኣለና፡፡ ኣብ ሞንጎና ዘይተደለየ ኣፈላላይ ከይፈጥርን ኣደዳ እቶም ኣፈላላይ ክፈጥሩ ላሕ ዝብሉ ፀላእቲ ከይንኸውን ከይረብረብና ብውሽጢ እቲ ነውራም ቅዋሞምን ተግባሮምን ጠጠው ከብልዎ ዝገበርናዮ መፀዋዕታን ልመናን ክሳድና ንካራ ስለዝበሉ ኣብ ሚዲያ ካብ ምቕራብ ሓልፉ ካልእ መማረፂ ስለዝሰኣና ከምዝኾነ ኸዓ ኩሉ ክፈልጠልና ንደሊ፡፡ ብካልእ ወገን ሓብሬታት እናወፁ ምስመፁ እዞም ውሑዳት ውልቀሰባት ውልቃዊ/ጉጅላዊ ጥቅሚን ሹመት ብልፅግና ክብሉ ህዝቦም ዝከሓዱን ምስ ፀላእቲን ወረርቲን ተሻሪኮም ህዝቢ ዝበደሉ ምዃኖም እኹል ሓብሬታት ስለዝረከብና ከም ውሽጣዊ ጉዳይ ጥራይ ገይሪካ ምርኣይ ሓላፍነትካ ብግቡእ ዘይምውፃእ’ዩ ዝብል ርድኢት ስለዝሓዝና’ውን እዩ፡፡ 

እዞም ውልቀሰባት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ህዝቢ ንሕግዝ ኣለና ይበሉ’ምበር ካብ ዓዲ ዝረከብናዮም እሙናት ሪፖርትታት ዝገልፁዎ ግን እቲ ሓቂ ብግልባጡ ምዃኑ’ዩ፡፡ ካብ ዘለውና ሓብሬታት:- 

  1. ወረርቲ መቐለን ካልኦት ከተማታት ትግራይ ምስተቆፃፀሩ ንምልሻ ኢሮብ ኹሉ ነገር ተወድኡ ስለዝኾነ እድኩም ሃቡ፤ብረትኩም ኣረክቡ እሎም መልእክቲ ዝሓዙ ሰባት ናብቲ ምልሻ ዝነበሩዎ ቦታ ምልኣኮም፤
  2. ውሑድ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ኢሮብ ኣብ ዝተዓደለሉ ግዜ ምስ ዘጣየሹዎ ‘ምምሕዳር’ ብልፅግና ኮይኖም ቤተሰባት ምልሻ እዮም ዝብልዎም ምንም ሓገዝ ከይረክቡ ምግባሮም፤
  3. ፆመ ትግራይ ኣብ ዝተኣወጀሉ እዋን ብኣቦ ወንበሮም ኣብሎም ብመኪና እናዞሩ ፆም ኣቋርፅኩም ናብ ስራሕ ተመለሱ እሎም ህዝቢ ኣፈራርሖም፤
  4. ኣብ ኢሮብ ዝበፅሐ ጨፍጫፍ ብዝምልከት ግዱሳት ኣባላት ኢኣኣ ዝነበሩ ንስድራ ግዳያት ጨፍጫፍን ካልኦት መሰካክርን ኣዘራርቦም/ቃለ መሕተት ገይሮም ዘቅረቡዎ ሪፖርቲታት ክሻብ ሎሚ ምዕፋኖም፤
  5. ኣቦ ወንበር እቲ ጉጅለ ብደረጃ ምምሕዳር ክልል ሽመት ብልፅግና ተዋህቡዎ ምንባሩ፤ መቐለ ነፃ ምስወፀት ኸዓ ከም ካልኦት ሹማምንቲ ብልፅግና ሃድሙ ኣዲስ ኣበባ ምእታዉን፤
  6. እቲ ጉጅለ ውልቀሰባት ኣብ ቀረባ መዓልቲ ኣብ ዝዘርገሖ ሪፖርት፤ ኣብ ኢሮብ ምምሕዳር ሽርክና ኤርትራን ብልፅግናን ኣብ ምጥያሽ ርኡይ ተራ ከምዝተፃወተ ሕንክ ከይበለ ምግላፁ፤ ገልኦም ኣባላት እቲ ዘጣየሹዎ ‘ምምሕዳር’ ወረርቲ ኣብ ትግራይ ስዕረት ምስ ገጠሞም ብኣስመራን ዓፋርን ኣብሎም ናብ ኣዲስ ኣበባ ምህዳሞም ከምኡ’ውን ፆታዊ መጥቃዕቲ ዝበፅሐን ደቂ ኣንሽትዮ ኢሮብ እቲ ዝበፅሐን ጥቅዓት ከይዛረባ ኣፈራርሖም ዝብሉ ይርከቡዎም፡፡ 

ብዛዕባ ምምሕዳር ምጥያሽ ኣብ ቁፅሪ 6 ዝተጠቅሰ ሪፖርት፤ ቃል ብቃል ከምዚ ይብል፡ ህዝቢና ዘረጋግኦን ዘመሓድሮ ምምሕዳር ስእኑ ፈቖዶ በረኻ ተበትኑ ዝእክቦ ኣብ ዝሰኣነሉ ጊዜ እዋናዊ ምምሕዳር ኣብ ምትካል ኢኣኣ ምስ ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላት ብምዃን ርኡይ ተራ ተፃዊቱ፤ ይብል፡፡ ከም ዝፍለጥ ክሻብ ቀረባ እዋን ኢሮብ ብምልእታ ኣብ ትሕቲ ሻዓቢያ(ኤርትራ) እያ ነይራ፤ ስለዚ እዞም ውልቀሰባት ምስ ብልፅግና ጥራሕ ዘይኮነስ ምስ ሻዓቢያ’ውን ይሰርሑ ከምዝነበሩ ዘረጋግፅ’ዩ፡፡ 

ኣብቲ መሬት ዝነበረን ዘሎን ሓቂ ከምዚ እናሃለየ፤ ኣብ ዲያስፖራ ብዘለው መሻርክቶም ኣብሎም ኢኣኣ ቅድሚ ምፍራሱ ዝነበረን ኣመራርሓ ዲያስፖራ ኣብ ዝተቀየሩሉ እዋን ውልቀሰባት ንሓደሽቲ ኣመራርሓ ከረክብዎ ፍቃደኛታት ዘይኮኑሉ ናይ ትዊተር ኣካውንት (@IrobAdovocay) ተጠቅሞም ንህዝቢ ኢሮብ ዝጣበቕ ማሕበር እና፤ ንተፈናቀልቲ ገንዘብ ንእክብ ኣሎና ይብሉ ስለዘለው ጥንቃቀ ክትገብሩ ንሕብር፡፡ ብፍላይ ቅድሚ ሐደት ኣዋሪሕ ጀምሩ ብዛዕባ እዞም ውልቀሰባት ኣፍልጦ ዘይብሎም ዝመስሉ መናእሰይ ወይ ኸዓ እቶም ውልቀሰባት ዘታለሉዎም ንህዝቢ ዝሰሪሕ ማሕበር መስልዎም የጋውሕዎ ስለዘለው ኣድላዪ ጥንቃቀ የድልዮ፡፡ ንተፈናቀልቲ ክሕግዙ ዝደልዩ ብትክክል ነቲ ተጠቃማይ ዝበፅሐሉ መንገዲ ኣፃርዩም ክሕግዙ ኣሎዎም ንብል፡፡ ኣብ ልምዓት ይኩን ኣብ ሰብኣዊ ሓገዛት ምትእክካብ ዝነጥፍን ዝነጥፍ ዘሎን ማሕበር ልምዓት ኢሮብ (ማልኢ) ከምዘሎ ርዱእ ገይርኩም ማሕበር ልምዓት ኢሮብ ብወብሳይቱ (www.irobdevelopment.org) ኣብልኩም ክትረክቡዎ ከምእትክእሉ’ውን ንሕብር፡፡ ምስ ምድንጋራት እዞም ውልቀሰባት ተታሕዙ ኢሮብ ኮምኒቲ (@IrobCommunity) ዝብል ናይ ትዊተር ኣካውንት’ውን ብዞም ውልቀሰባት ዝውነን’ምበር ናይ ኢሮብ ኮምኒቲ ከምዘይኮነ ክፍለጥ ኣሎዎ፡፡   

ኣብ መጨረሻ ኣብዚ እዋን ንህዝቢ ኢሮብ ድምፂ ንምዃንን ክጣበቕን (Advocate ክገብር) ሕጋዊ ፍቃድ ኣውፅኡ ዝንቀሳቀስ/ዝሰሪሕ ዘሎ ማሕበር ኢሮብ ኣኒና ሲቪል ማሕበረሰብ ጥራሕ ምዃኑ’ውን ክነተሓሳስብ ንፈቱ፡፡ 

ብዛዕባ ኢሮብ ኣኒና ሲቪል ማሕበረሰብ ንምፍላጥ፡

Email:            info@irobanina.org

Website:       https://irobanina.org

Twitter:         @IROBANINA  

Facebook:    https://facebook.com/irobanina


ኣብዞም ሓብሬታትን መተሓሳሰቢን ሕቶ ዘለኹም ወይ ኸዓ ተወሳኪ ሓብሬታ እትደልዩ ብትዊተር ቀጥታ መልእክቲብፈይስቡክ ውሽጢ መልእክቲ ፤ከምኡ’ውን እመይል ክትገብሩልና ትኽእሉ፡፡  

ሙሉእ ዓወትን ፍትሕን ንሕዝቢ ትግራይ!

 ትግራይ ትስዕር! 

ነሓሰ 03/2021

ኢሮብ ኣኒና ሲቪል ማሕበረሰብ