መግለጺ ኢኣኣ ዲያስፖራ
ለካቲት 11፤2021
ዝኸበርኩም ኣባላትን ደገፍትን ኢኣኣ ከምኡ’ውን ዝኸበርካ ህዝብና፤
ኣቀድምና ብወረርቲ ሓይልታት ኤርትራ፤ብልጽግናን ምልሻታት ኣምሓራን ብዝግበር ዘሎ ምንጻት ዓሌት ጸፍጻፍ ንዝሃለቁ ቤተሰብና፤ ህዝብናን ወገናትናን አብ ሓዘን ንዘለኹምን ዘለናን ጽንዓት ይሃብኩም፤ይሃበና ክንብል ንፎቱ፡፡ ዓድናን ህዝብናን ካብዞም ወረርቲ ነጻ ንወጸሉ ግዘ ርሑቅ ከምዘይኸውን ከዓ ተስፋ ንገብር፡፡
ብምቅጻል ናይዚ መግለጺ ቀንዲ ዋንን ኣብ ኢሮብ ኣድቮካሲ ኣሶሴሽን (ኢኣኣ) ውሽጥ ዝተፈጥሩ ችግራት እንታይ ምዃኖምን ኣብ ቀጻሊ ውዳበና እዞም ችግራት ከይድገሙ መፍትሒታት ይኾኑ እዮም እንብሎም ሓሳባትን ከምኡ’ዉን ዉሳኔታት ኢኣኣ ንኣባላትን ደገፍቲን ንክፈልጡ/ጣ እንትኸውን፤ ኢኣኣ ሲቪል ማሕበርን ህዝባዊ ውዳበ ስለዝኮነ ይምልከቶ’ዩ እልና ብምእማን ህዝብና’ውን ክፈልጦ ንምግባር’ዩ፡፡
መእተዊ
ከምዝፍለጥ ኢኣኣ ቅድሚ ዓመትን መንፈቅን ኣብሉ ብዕሊ ዝተመስረተ እንትኸውን፤ ዝስዕቡ ራእይ፤ተልእኾን ዕላማታት ሕዙ ዝተበገሰ ውዳበ ሲቪል ማሕበረሰብ ኢሮብ’ዩ፡፡
ራእይ
ጠንካራ ማሕበረ-ቁጠባዊ መሰረት ዘለዎ፤ ሰብኣዊን ዴሞክራሲያዊን መሰላት ዝተሓለወሉን ዝተማለአሉን፣ ብዲሞክራሲያዊ ኣተሓሳስባ ዝማዕበለ፣ ብመንነቱ ዝሕበን፣ ኣብዝነብረሉ ከባቢ ኩሉ ኢሮባዊ ስነልቦናን ሓድነቱን ዝሓለወ ህዝቢ ኢሮብ ምርኣይ እዩ።
ተልእኾ
ውሽጣዊ ሓድነት ህዝቢ ኢሮብ ብምጥንኻር፤ ምስ ካልኦት መሰል ትካላትን ህዝብታትን ናይ ዕላማ ሓድነትን ምትሕብባርን ብምፍጣርን ብምዕቃብን፣ ናይ ህዝቢ ኢሮብ ድሕንነትን ህልውናን ብምሕላውን ንኽሕሎ ብምግባርን፣ ቀፃሊ ዕድላትን ውሕስናን እቲ ህዝቢ ብመፅናዕቲን ምርምርን ብምድጋፍ ቀፃልነትን ህልውናን ብዝለዓለ ብርኪ ምርግጋፅ እዩ።
ዕላማታት
እዚ ራእይ፤ ተልእኾን ዕላማታትን ንምዕዋት፤ኣብ ዲያስፖራ ዝነብሩ ኣባላት ኢኣኣ ከዓ ብዲያስፖራ ደረጃ ከም ቅርንጫፍ ተወድቦምም ሰክረታሪያት ብምክፋት፤ በቲ ሰክረታሪያት ኣብሎም ከዓ ካብ ዓዲ ወጻኢ ንኢኣኣ ወክሎም ንክሰርሑን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝግበሩ ስራሓውቲ ብሓሳብን ብገንዘብን ንክሕግዙ መደብ ተዋህቡዎም ስራሕ ጀምሮም፡፡ እቶም ቀዳሚነት ተዋህቡዎም ክስረሑ ዝተወሰኑ ጉዳያት ከዓ ዝስዕቡ’ዮም፡
ናይ መጀመርታ ፈተና ኢኣኣ
ኢኣኣ ብምክንያት ውሑዳት ኣመራርሓን ኣባላትን ካብ መጀመርታኡ ብሽፋን ሲቪል ውዳበ ንፖለቲካዊ ዓላማ ዝተጣየሸ’ዩ ብዝብል ውሱናት ሰባት ስግኣት ዝነበሮም እንትኸውን፤ ኣባላትን ኣመራርሓን ኢኣኣ ንሕጉን ዓላማታቱን ከምኡ’ውን ብውሳኔ ኣብዛሓ ኣባላቱ ዝግዛእ ስለዝኾነ፤ ብግሊ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ እምነት እንተሃለወና’ውን ብሕጊን ስርዓትን ተወድብና ንረብሓ ሕዝብና ብሓድነት ምስራሕ ይከኣል‘ዩ፤ ቡሱሩ’ውን ናይ ሓሳብ ኣፈላላይ ምህላው ንቡር ስለዝኮነ ኩልና ረብሓ ህዝብና እንድሕር ኣቀድምና ዕንቅፋት ክኾነና ኣይክእልን’ዩ እሎም ብምእማንን ብምትእምማንን ስራሑ ቀጽሉ፡፡ ኣብ ዲያስፖራ ጥራሕ ከዓ ናብ 125 ንኸውን ኣባላት ኢኣኣ ኮይንና። ካብዙይ ብምብጋስ ከዓ ዕላማታት ኢኣኣ ብደረጃ ዲያስፖራ ጽቡቅ ተቐባልነት ረኽቡ ክበሃል ይከአል።
እቲ ዝዓበየ ፈተና ኢኣኣ
ናይ ኢኣኣ አመራርሓን አባላትን አፈላላይ ግልጽ እናኮነ ዝመጸ ብፍላይ መንግስቲ ብልጽግናን ኤርትራን ኣብ ልዕሊ ሕዝብ ትግራይ ቅሉዕ ኩናት ኣውጆም ትግራይ ምውራር ምስጀመሩ እዩ። አብዝ ግዘ ሰለስተ ኣባላት ኣመራርሓን ክልተ ኣባላት ኢኣኣ ዲያስፖራ ብሓደ ወገን፤ ኣብዛሓ ኣመራርሓን ኣባላትን ኢኣኣ ዲያስፖራ ከዓ በቲ ሓደ ወገን ብምዃን ኣብ ዲያስፖራ ኢኣኣ ዓቢዪ ናይ ሓሳብን ኣሰራርሓን ኣፈላላይ ተፈጥሩ፡፡
ኣብ ኢኣኣ ዲያስፖራ ዝተፈጥረ ናይ ሓሳብን ኣሰራርሓን ኣፈላላይ እንታይ’ዩ?
ኣብ ላዕሊ ከምዝተጠቅሰ ኣብ ኢኣኣ ዲያስፖራ ዓቢዪ ኣፈላላይ ዝተፈጥረ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኹናት ምስተኣወጀን ወራር ምስተጀመረን እዩ፡፡ ኹናት ድሕሪ ምጅማሩ ኣብ መበል ሳይልሳይ መዓልቲ፤ ኣመራርሓን ኣባላትን ንምታይ’ና ብዛዕባ እዚ ኹናትን ወራርን መግለጺ ዘይነውጽእ እሎም ምስሓተቱ ኣቦወንበር ሓዉሱ ብዝተወሰኑ ኣመራርሓን ኣባላትን ኢኣኣ ዲያስፖራ እቲ ኩነታት ክሻብ ዝሓልፍ ስቅ እልና ንክንፀንሕ ፀቅጢ ክገብሩ ጸንሖም። ቀጽሎም ድማ ብጣዕሚ ንምእማን ዝከብድ መልሲታት ክህቡና ጀምሮም፡፡ መብዛሕትኦም አመራርሓን አባላትን ግና ንህዝብና ካብዚ ሐዚ ዘለናሉ እዋን ዝኸፍአን ድምፅ ዘድልየሉ ግዜ ፍፁም ኣይክህሉን ስለዝይ ንህዝብና ድምጽ ንኹን ስለዝበሉ እቲ አፈላላይ ግልጽ እናኾነ መጽኡ ። እዝይ ድማ አብ መብዛሕትኡ አመራርሓን አባላትን ቁጣዐ ፈጥሩ።
ካብቶም በብመዓልቱ እናተቀያየሩ ዝተውሃቡና መልሲታት ውሱናት ንምጥቃስ፡
በዞም ብጣዕሚ ዘሕዝኑ መልሲታት ከይተወሰኑ ኣባላት ዲያስፖራ ኢኣኣ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝገብሩዎ ንጥፈታት እናተከታተሉ መንግስቲ ፈደራል ካብ ምውጋዝ ንክቁጠቡ ንምእዛዝን ምምዓድን’ውን ሞክሮም’ዮም፤ ኣይሰለጦምን’ምበር፡፡
ድሕሪ ሕደት መዓልቲታት፤ሰለማዊ ሕዝብና ይጭፍጨፍ ኣሎ፤ንብረት ይጠፍእን ይዝረፍን ኣሎ፤ ኤርትራ’ውን ወርራትና ኣላ፤ ስለዚ ንሕና ንህዝብና ድምጺ ክንኸውን ይግብአና፤ንህዝብና ዝበጽሖ ዘሎ ወራርን፤ግፍዕን ጨፍጫፍን ከነውግዝ ይግብኣና ምስበልናዮም ከዓ ኣብ ውግእ ግዘ ጉድኣት አብ ሰለማዊያንን ንብረትን ምብጻሕ ንቡር’ዩ እሎም። ብምቅጻል ድማ ኤርትራ ወርራትና ክንብል ኣይንክእልን ጥራሕ ዘይኮነስ ኢሳያስ ፖለትካ ብደምቢ ዝርድኦ ሰብ ምኻኑ ስለንፈልጦ ብፍፁም ትግራይ ክኣቱ ኣይክእልን’ዩ እናበሉ ንመዓልቲታትን ሰሙናትን ክምጉቱና ጸንሖም፡፡
ድሕሪ ክንደይ ጭቅጭቅ ድልየቶም’ኳ እንተዘይነበረ ተገድዶም እታ ናይ መጀመርታ መግለጺ ክትወጽእ ተገይሩ፡፡ ድሕሪ ዝተወሰኑ መዓልቲታት ከዓ ኣባላት ሐዚ’ውን ሱቅ ክንብል ኣይግብአናን እሎም ሕቶ ምሰልዓሉ፤ብክንደይ ሓይሊ ናይ ኤርትራ ሰራዊት ካብ ትግራይ ይውጻእ ዝብል መግለጽ አውጽኦም። ክብኡ ንዳሓ ድማ ካብ ኣሰራርሓ ኮሚቴ ወጻኢ ኣመራርሓ ከይተሰማመዐሉ ብውሑዳት ኣመራርሓ ድልየት መግለጺ ክትወጽእ ተገይሩ። መብዛሕትኦም ኣመራርሓ ከዓ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ምስተለጠፈ’ዮም እቲ መግለጺ ዘንበብዎ፡፡ ኣብቲ መግለጺ ዝዓበየ ጌጋ ዝነበረ ከዓ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብዛዕባ ኣብ ማይካድራ ዝተገብረ ጨፍጫፍ ብሓይሊታት ትግራይ ከምዝተፈጸመን እቶም ዝተጨፍጨፉ ከዓ ኣምሓሩ ከምዝነበሩ ዝሕብር ጸብጻብ ብግቡእን ብዘይሻራዊ ትካል ከምዝተጻረየ ተቀብሎም፤እዚ ትካል ኣብ ዓዲግራትን ዛላንበሳን ዝተገብረ ጨፍጫፍ ንከጻሪ ጻውዕት ምቅራቦም ነይሩ፡፡ ነዚ ዓብዪ ስሕተት አብ ዝሓዘ መግለጺ ሓላፍነት ክወስዱን ክጥየቁሉን ዝግባእ ድማ እቶም ዘውጸኡዎ ውሑዳት ኣመራርሓ እዮም።
በዞም ውሑዳት ኣመራርሓን ኣባላትን ኣካይዳን ኣሰራርሓን ኣዚዮም ዝተቆጠዑ ኣብዛሓ ኣመራርሓ ዲያስፖራ ኢኣኣ ህጹጽ ኣኼባ ንክጽውዕ ንኣቦወንበር ኢኣኣ ዲያስፖራ ብተደጋጋሚ እንተሓተቱ’ኳ ብመሰረት ሕግደምብ 1/3 ኣባላት ኮሚቴ ህጹጽ ኣኼባ ይጸወዐልና እንተእሎም ምጽዋዕ እንትግባእ ምክንያት እናገበሩ ክሳብ ድሰምበር 19፤2020 ኣኼባ ከይጸወዑ ጸንሖም።
ድሰምበር 19፤2020 ኣብዝተገብረ ኣኼባ፤ ነባር ኣመራርሓ ንክቅየሩን ሓደሽቲ ኣመራርሓ ንክምረጹን ንጀንዋሪ 02፤2021 ናይ ኣባላት ኣኼባ ንክጽዋዕ ስምምዕ ተበጽሑ፡፡ በዚ ስምምዕ መሰረት ከዓ ኣመራርሓ ተከፋፍሉ ክሰርሕ ኣብዘይክእለሉ ኩኔታት ከምዘሎን ናይ ሓደ ዓመት ናይ ስራሕ ግዝኦም ሓልፉ’ውን ስለዝኮነ፤ ነዚ ኣጋጥሙና ዘሎ ሓሳብ ኣፈላላይ መፊተሒ ክኸውን ዝክእል ሓደሽቲ ኣመራርሓ ምምራፅ ምዃኑ ብምትእምማን ንዲያስፓራ ኣባላት ሐደሽቲ ኣመራርሓ ክመርጽ ኣኼባ ንጽውዕ ኣለና እሎም ንኣባላት ጻውዕት ኣኼባ ተገይሩሎም፡፡
ይኹን’ምበር ብጀንዋሪ 02፤2021 ኣብዝተገብረ ኣኼባ እዞም ኣርባዕተ ኣባላት ኣመራርሓን ክልተ ኣባላትን፤ ኣመራርሓ በዚ እዋን ክቅየር ኣይግባእን ብምባል ብኣጀንዳ ዘይተትሓዘ ሓሳብ ኣምጽኦም ንልዕሊ ኣርባዕተ ሰዓት ምርድዳእ ስለዘይተገብረን ሓደሽቲ ኣመራርሓ ንምምራጽ እኩል ግዘ ስለዘይነበረ፤ ናይ ዝሓለፉ ዓመት ኣመራርሓን ኣፈጻጽማ ዓመታዊ ስራሓውቲ ኢኣኣ ዲያስፖራ ንምግምጋምን ሓደሽቲ ኣመራርሓ ንምምራጽን ንጀንዋሪ 09፤2021 ካልእ ኣኼባ ንክንገብር ተሰማምዕና ተፈላልና፡፡ ድሕሪ ሕደት ማዓልቲታት ከዓ እዞም ኣመራርሓ ነበር ካብ ስራሕ ፈጻሚት ኮሚቴ ዝተልኣከ መግለጺ’ዩ ዝበሉዎ ኣብ ማሕበራዊ ምዲያን ንኣባላትን ዘርግሖም፡፡
ናይቲ መግለጺ ትሕዝቶ ከዓ ኢኣኣ መሰረቱን ስራሑን ኣብ ዓዲ ከምዝኮነ ብምግላጽ ብዲያስፖራ ደረጃ ዝንቀሳቀስ ስክረታሪያት ካብ ስራሕ ፈጻሚት ኮሚቴ ዝተውሃቦም ዕዮ ገዛ ብኣግባብ ንክፍጽምን ብዘይካ ፈጻሚት ኮሚቴ ትእዛዝ ዝኮነ ዓይነት ምንቅስቃስ ከይገብር፤ ዝወፅእ መግለጺ ይኩን ኣብ ሚዲያ ዝግበር ዝኮነ ዓይነት ምንቅስቃስ ብፈጻሚት ኮሚቴ ከምዝትግበር ዝገልጽ፤ ኣብቲ ባይታ ዘሎ ሓቂ ይትረፍዶ ንካሎኦት ድምጺ ክኮኑ ንባዕሎም'ውን ሃለዋቶም ውሑስ ከምዘይኮነ እናተፈልጠ ኣብዘይኮነ ግዘን ቦታን ከምዙይ ዝበለ ቀጥን ግላውነትን ኣምባገነንነት ዝተመልኦ ትእዛዝ ህቦም እንደገና ከዓ ምስ ማሕበረሰብ ዓለም ብምሪካብ ንህዝብና ድምጺ ክንኸውን ከምዘለና ዝገልጽ ንንባዕሉ ዝዋቃዕ መልእኽቲ ተሰድዱልና እሎም ብዲያስፓራ ኣመራርሓ ነበር ኣብ ናይ ኣባላት ግሩብ ተላእኩልና።
ንሕና ኣባላት ዲያስፖራ ኢኣኣ ግን በቲ ቆጾሮና መሰረት ብጀንዋር 09፤2021 ብዝተትሓዘ ኣጀንዳታት መሰረት ኣኼባና ንክንጅምር መራሒ መድረክ ናይቲ ዕለት ኣጀንዳታት ንምዝክካር ኣብ ዝጀመረሉ ሰዓት ካብቶም ኣመራርሓ ነበር ኢኣኣ ዲያስፖራ ዝነበረን ኣመራርሓ ከይቅየር ዕንቅፋት እናፈጠሩ ካብዝነበሩ ሓደ፤ ናይ ኢኣኣ ስራሕ ፈጻሚት ኮሚቴ ኣቦወንበር ካብ ዓዲ ኣብ ናይ ተለፎን መስመር ከምዘለውን መልእክት ከመሓላልፉ ዕድል ንሃቦም ብምባል ብሃንደበት ንመራሒ መድረክ ይሓቶ፡፡ መራሒ መድረክ ከዓ በቲ ኣጀንዳ መሰረት ክንከይድ ነይሩና ግን ሕራይ ንኣባላት ክሓትት ብምባል ንኣባላት ይሓቶም’ሞ ምስተሰማመዑ ኣቦወንበር መልእክቶም ንክቅጽሉ ይነገሮም።
ብጣዕሚ ብዝገርም ኩነታት እቶም ኣቦወንበር ኢኣኣ፤ ስልክ ንመጀመርያ ዝተከፈተሉ እዋን ዋላ እንተኮነ ኩሉ ነገር ከም ዝፈለጡ መስሎም ኣመራርሓ ንምቅያር እንታይ ኣድለየ፣ክሳብ ሐዚ ንህዝብና ዝኸውን ናይ ገንዘብ ሓገዝ እንታይ ገይርኩም፤ ኢቶም ዝሃብናኩም ዕዮታት ገዛ (ኢኣኣ ኣብ ወጻኢ ምምዝጋብ፤ ናይ ገንዘብ ሓገዝ፤ ወዘተ) ኣበይ ከም ዘብጻሕኩም ከይፈለጥና ዝብል ሕርቀት ዝተመልኦ መልእክቲ ኣመሓላልፎም፡፡ መራሒ መድረክ ዝነበረ ሪፖርት ዘይተገብረ፤ ወዮ ኩሉ ኮምኒከሽን ዕጽው ስለዝበረ ይኸውን፤ ብገንዘብ ሓገዝ ምንም ከምዘይገበርበና ምቅራብኩም ግን ትክክል ኣይኮነን፡፡ ገንዘብ ብኣድቮካሲ ደረጃ ከይኮነ ምስ ልምዓት ኢሮብ ብምትሕብባር ብምሉእ ኢሮብ ዲያስፖራ ደረጃ ዝተቋቋመ መከተ ኮሚቴ ኣብዝገብሮ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ምትእክካብ ብውልቅና እናዋጻእናን ናይ ገንዘብ ምትእክካብ እናሓገዝናን እና ዘሎና፤ናብ ህዝቢና ክበጽሕ ዝከኣለሉ መንገዲ ምስተረክበ ከዓ ክላኣክኽ’ዩ፡፡ እቶም ካልኦት ዕዮታት ገዛ ብዝምልከት ስሩዕ ሪፖርት ክሻብ ዝግበር ካብ ኣመራርሓ ነበር ሓደ ሕጽር ዝበለ ጸብጻብ ክቅርቡልኩም ዕድል ይህብ ኣሎኩ እሉ ምስ መለሰሎም፤ እቲ ኣብ ስልኪ መስመር ዝእተዎም ኣመራርሓ ነበር፤ ኣይ ቅድሚኡ ኣቦወንበር ብደምቢ ዘየብረህዎ ጉዳይ ስለዘሎ ዕድል ይወሃቦም ይብል፡፡
እቶም ኣቦወንበር ከዓ ቅድም እሉ ካብ ሓደ ኣባል ኢኣኣ ሕዝብና ንምሕጋዝ ምስ ወረርቲን ጨፍጨፍቲን ምስራሕ ትክክል ከምዘይኮነን እኳደኣስ ሓገዝ ምስዝህቡ ዘይሻራዊ ገበርቲ ሰናይ ትካላት ክስራሕ እዩ ዝግባእ ዝብል ሓሳብ ምስ አቕረበ፤እቲ አቦ መንበር ብጣዕሚ ጌጋ ከምዝኾነ፤ ብስሩ’ውን ትኸዱዎ ዘለኩም ኣካይዳ ቅቡል ስለዘይኮነ ንሕና ክንቅበሎ ኣንክእልን እሎም ዘረባኦም ኣቋርጾም፡፡ ድሕረኡ ካልኦት ናይ ኣባላት ሕቶ ምምላስ ይኩን ወዮ ሓጽር ናይ ስራሕ ጸብጻብ ከተይቀበሉ እቲ ብተለፎን ኣእትይዎም ዝነበረ ኣመራርሓ ነበር ተለፎን ከምዝተቋረጸትን መልሱ ክድውል ከምዘይክእልን ይነግረና። ካብዚ እንርድኦ ከዓ እቶም ኣቦወንበር ምስቶም ካብ አመራርሓ ንምውራድ ድሌት ዘይነሮም ኣመራርሓ ነበር ተዋድዶም እቲ ኣኼባ ከይቅጽልን ሓድሽ ኣመራርሓ ከይምረጽን ንምዕንቃፍ መጽኦም ከም ዝነበሩ ይፍለጥ ነይሩ።
ድሕርኡ ናበቲ ዕለት ዝተትሓዙ ኣጀንዳታት ብመራሒ መድረክ ብምዝክካር ኣኼባና ቀጽልና፡፡ ገምጋም ምስበጻሕና እቲ ገምጋም ብከመይ ነካይዶ ኣብ ዝብል ክልተ ሓሳብ ቀርቦም፡፡ እቲ ሓደ ኣመራርሓ ብግዴታኦምን ብሓላፊነቶምን መሰረት ተገምግሞም ሓደሽቲ ኣባላት ኣመራርሓ ክምረጹ ዝብል እንትኸውን እቲ ካላኣይ ሓሳብ ከዓ ብኣባላት ዘይኮነስ እቲ ዝነበረ ናይ ሓሳብ ኣፈላላይ ብዘይሻራዊ ሳልሳይ ወገን ካብ ኣባላት ወፃኢ ክረአ ከምዘለዎ ዝጥይቅ ነይሩ፡፡ እዙይ ከዓ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ዘሎዎም ንዕቀትን ዘይምትእምማን ኣጉልሁ ዝገልፅ ተግባር ነይሩ፡፡ ካብዞም ክልተ ሓሳባት ኣየንኡ ከም እንክተል ብሕገደምቢና መሰረት ብድምጺ ንክውሰን ስምምዕ ተገይሩ፤ እቲ ዘጋጠመ ናይ ሓሳብ ኣፈላላይ ይኩን ገምጋም ኣመራርሓ ብኣባላት ተገይሩ ሓደሽቲ ኣመራርሓ ንምረፅ ዝብል ሓሳብ ብዙሕ ኣፈላላይ ብዘለዎ ናይ ኣብላጫ ድምጺ ሓልፉ፡፡ ሽዑ ሰለሰተ ኣባላት ኣመራርሓ ነበር ብድምጺ ብልጫ ዝተወሰነ ውሳነ ብዘይምቅባልን ሕገደምቢ ኢኣኣ ብምጥሓስን ኣኼባ ረግጾም ወጽኦም፡፡ ካብቲ ኣኼባ ሕገደምቢ ረግጾም ዝወጹ ከዓ ኣብቲ ኣኼባ ንሓሙሽተ ሰዓት ድሕሪ ምጽናሕን ኣብ ድምጺ ምሃብ ተሳትፎም ብብዙሕ ኣፈላላይ ብዘለዎ ድምጺ ምስተስዓሩ’ዩ ነይሩ፡፡
እቲ ኣኼባና ግን ቀፅልና ሓሙሽተ ሓደሽቲ ኣባላት ዘለዎ ኮሚቴ ኣመራርሓ ብምምራጽ እዞም ዝስዕቡ ሓላፊነትን ግዴታን ተዋህቡዎም ተዛዝሙ፡፡
ሓላፍነትን ግዴታን ሓደሽቲ ኣመራርሓ፡
ብመሰረት ዝተውሃቦ ሓላፍነት ዕዮ ገዛ፤ ሓድሽ ኣመራርሓ ኢኣኣ ዲያስፖራ እቶም ሕገደምቢ ረግጾም ዝወጹን ብውሳነ ኣብዛሓ ኣባላት ኣይንግዛእን ዝበሉ ኣመራርሓ ነበር ካብ ጌጋኦም ንክእረሙ ከዘራርብዎም እንተፈተኑ'ኳ ክዘራረቡን ክእረሙን ፍቃደኛታት ከይኮኑ ተሪፎም፡፡ እኳዳኣስ ብጎኒ ኣብ ዓዲ ንዘለው ስራሕ ፈጻሚት ኮሚቴ ካብ ሓቂ ዝራሓቀ ሓብረታ ብምሃብ እቲ ኣብ ሞንጎ ዲያስፓራ ኢኣኣ ውሑዳት ኣመራርሓን ኣባላትን ዝተፈጠረ ናይ ሓሳብን ኣሰራርሓን ኣፈላላይ ኣብቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ኣብዝወረድ ዘሎ ማእለያ ዘይቡሉ ጨፍጫፍን ግፍዕን ሓበራዊ ርድኢት ዘይምህላዉ እንከሎ፤ እዞም ኣመራርሓ ግን ኮነይ እሎም እቲ ዝተፈጥረ ኣፍላላይ ኣብሞንጎ ኣመራርሓን ግሩብ ፈጥሮም እዚ ድርጅት ንምፍራስ ዝንቀሳቀሱን ከምዝኮነ ኣምስሎም ንስራሕ ፈጻሚት ኮሚቴ ብምቅራብ ኣብ ልዕሊ ኣባላትን ኣብዛሓ ኣመራርሓን ሰፍ ዘይብል ፀለመ አውርዶም፡፡ ኣብ ትግራይ ዝተኣወጀ ኹናት ከይኮነ ናይ ሕጊ ምክባር ስራሕ'ዩ ብዝብሉ ክልተ ኣባላት ኢኣኣ ተሓግዞም ዘይኮነ ሓብሬታ እናመሓላለፉ ስራሕ ፈጻሚት ኮሚቴ ምስ ሓደሽቲ ኣመራርሓ ንከይሰርሑ ከእምኑ ምንቅስቃስ ቀጽሎም፡፡
ብወገኖም ሓደሽቲ ኣመራርሓ ኢኣኣ ዲያስፖራ ብህጹጽ ክስረሑ ካብዝተውሃቦም ዕዮታት እቲ ሓደ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ምስዘለው ስራሕ ፈጻሚት ኮሚቴ ርክብ ብምግባር እቲ ዝተፈጥረ ኣፈላላይ ንከረድኡ ስለዝነበረ እዞም ዝስዕቡ ጉዳያት ናብ ስራሕ ፈጻሚት ኮሚቴ ኣቅርቦም፡
እዞም ኣብ ላዕሊ ካብ ቁጽሪ 1-4 ዝተጠቅሱ ጉዳያት ናብ ስራሕ ፈጻሚት ኮሚቴ ንምቅራብ ከዓ፡
እንተኮነ ግን ስራሕ ፈጽሚት ኮሚቴ ድሕሪ እዚ ኩሉ ጻዕርታትን ምርድዳእን ኣብ ውሳነታቶም ምንም ለውጢ ክገብሩሉ ፍቃደኛታት ኣይነበሩን፡፡ ስለዝኾነ ከዓ ሓደሽቲ ኣመራርሓ ዲያስፖራ ኢኣኣ ብዛዕባ ስራሕ ፈጻሚት ኮሚቴ ዝስዕቡ መረዳእታታት ረክቦም፡
ካብዞም ዝገበርናዮም ርክባት ብምብጋስ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝግበር ዘሎ ናይ ኢኣኣ ምንቅስቃሳት ብጠቅላላን ካብ ናይ ስራሕ ፈጻሚት ኮሚቴ ኣካይዳ ብፍላይን፤ ሓደሽቲ ኣመራርሓ ኢኣኣ ዲያስፖራ እዞም ዝቅጽሉ ስግኣታት ሓድሩና።
ካብዚ ቀጽሉ ሓደሽቲ ኣመራርሓ ብዛዕባ ስራሕ ፈጻሚት ኮሚቴ ዝተረደኡዎን ዝሓደሮም ስግኣታትን ንኣባላት ኢኣኣ ዲያስፖራ ቀሪቡ ውሳነ ክወሃበሉ (ቅዋም ክውሰደሉ)፤እቶም ሕገደምቢ ጥሕሶም ንክእረሙ ዝተጠየቁ ኣመራርሓ ነበር’ውን ምንም እርማት ክገብሩ ድሌት ከምዘይሎምን ኣብ ሕገደምቢ ብዝተቀመጠ ኣገባብ ብድስፕሊን ንክረኣዩ ውሳነ ንምግባር ከምኡ’ውን ተወሰክቲ ኣባላት ኣመራርሓ ኢኣኣ ዲያስፖራ ንክምረጹ፤ንጀንዋሪ 30፤2021 ናይ ኣባላት ኣኼባ ጸውዑ፤ ኣጀንዳታት‘ውን ንኩሎም ኣባላት ዘርግሑ፡፡ ኣብቲ ኣጀንዳ ዝተዘርገሐሉ ናይ ኣባላት መድረክ ኣባላት ፈጻሚት ኮሚቴን እቶም ብድስፕሊን ንክረኣዩ ዝተወሰነ ኣመራርሓ ነበር ኣባላት ስለዝኮኑ፤ ካብኣቶም ገልኦም እቶም ኣጀንዳታት ብዙሕ ጸገም ኣሎዎም እሎም ሓሳብ ዝሃቡ እንተነበሩ’ዃ ውጽእቱ እንታይ ክኸውን ከምዝክእል ስለዝፈልጡ ከምኡ ከምዝብሉ ይፍለጥ ስለዝነበረ ብዙሕ ሓድሽ ነገር ኣይነበረን፡፡
እቲ ንጀንዋሪ 30፤2021 ዝተጸወዐ ናይ ኣባላት ኢኣኣ ዲያስፖራ ኣኼባ መዓልቲ በጽሑ፤ ኣኼባ ድሕሪ ምጅማሩ ብግምት ድሕሪ ሓደ ሰዓት ኣብሉ ወዮ ስራሕ ፈጻሚት ኮሚቴ ኢኣኣ ንዲያስፖራ ቅርንጫፍ (ሰክረታሪያት) ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀምረ ኣፍርሰዮ ኣለኹ ዝብል መግለጺ ኣውጽኡ፡፡ ነቲ መግለጺ ምስራኣና ከዓ እቶም ቅድም እልና ዝተረዳእናዮምን ከም ስግኣታት ዘቅመጥናዮምን ሓቂ ከምዝነበሩ ንዂልና ግልጺ ኮይኑ፡፡ ኣባላት ኢኣኣ ዘይኮኑ ንክፈልጡ ዝኣክል፤ብሕገደምቢ ኢኣኣ ስራሕ ፈጻሚት ኮሚቴ ሓደ ቅርንጫፍ ናይ ምክፋት ይኩን ናይ ምዕጻው ስልጣን የብሉን፤ እዚ ስልጣን ናይ ቤት ምክሪ (ካውንስል) ወይ ከዓ ጠቅላላ ጉባኤ ኢኣኣ ጥራሕ’ዩ፤ኣብ ኢኣኣ ድህረገጽ ናይ ኢኣኣ ጋቨርናንስ ዓምዲ ክትርእዩ ትክእሉ፡፡ ኣባላት ስራሕ ፈጻሚት ኮሚቴ ይኩኑ እቶም ቅድም እሎም ሕገደምቢ ኢኣኣ ዲያስፖራ ዝጠሓሱ ኣርባዕተ ኣባላት ኣመራርሓ ነበር ብፍጹም ንሕጊ ተገዛእቲ ከምዘይኮኑ ብቀልሉ ካብ ዘረድኡ ተግባራት እዚ ሓደ ተገይሩ ክውሰድ ይከኣል፡፡ እዞም ውልቀሰባት ውልቃዊ/ፖለቲካዊ እምነቶም ወይ ከዓ ረብሓኦም ክብሉ ንረብሓ ሕዝቢ ጠንጠነለይ እሎም ሕገደምቢ ምጥሓሶም ብዘይ ምንም ጥርጥር ዘረጋገጸልና ተግባር’ውን እዩ።
ውሳነታትን ቅዋምን ኢኣኣ ዲያስፖራ
ንዝተፈጥሩ ችግራት መፍተሒ እንብሎም ሓሳባትን ቀጻሊ ኣንፈት ውዳበና
ኢኣኣ ዲያስፖራ
ለካቲት 11፤2021