IROB ANINA CIVIL SOCIETY (IACS) is a nonprofit certified in #Canada and operating globally. One of our objectives is advocating for #Irob & #Tigray.
ብዛዕባ ኢሮብ ኣኒና ሲቪል ማሕበረሰብ!
ኢሮብ ኣኒና ሲቪል ማሕበረሰብ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣህጉራትን ሃገራት ዓለምና ብዝርከቡ ደቂ ኢሮብ ዝተጣየሽ ሲቪል ውዳበ ማሕበረሰብ ኢሮብ ኮይኑ ኣብ ካናዳ ብፈደራል ደረጃ ንትርፊ ዘይተቋቋሙ ትካላት ንምምዝጋብን ንምምሕዳርን ብዝስረሓሉ ሕጊ መሰረት ተመዝግቡ ብኣቆፃፅራ ኣውሮፓዊያን April 7, 2021 ሙሉእ ሕጋዊ ሰውነትን ናይ ስራሕ ፊቃድን ረክቡ ኣሎ፡፡
ኣብ ካናዳ ዝነብሩ ኣባላት ኢሮብ ኣኒና ሲቪል ማሕበረሰብ ማሕበርና ኣብ ካናዳ ተመዝግቡ ሕጋዊ ሰውነትን ናይ ስራሕ ፍቃድን ንክረክብ ዝገበሩ እንትኸውን ኣወዳድባኡን ንጥፈታቱን ግን ዓለምለኻዊ’ዩ፡፡ ኣመራርሓኡ ድማ ኣብ ኩለን ክፍላተ ዓለማትን ሃገራትን ካብዘለው ኣባላት ዘሳትፍ'ዩ፡፡ ንሓዋሩ ከምከም ኣድላይነቱ ኣብ ዝተፈላለ ሃገራት ክምዝገብን ክሰርሕን እንትኸውን፤ንግዜኡ ካናዳ ከም ዋና ማእከል/ቤት ጽሕፈት ማሕበርና ኮይኑ ከገልግል’ዩ፡፡ ኩሎም ወረርቲ ካብ ትግራይ ወጽኦም ኣብ ዓዲና ሕጊን ስርዓትን ናብ ንቡሩ ምስተመልሰን ማሕበርና ኣብ ትግራይ ብሕጋዊነት ተመዝግቡ ናይ ስራሕ ፍቃድ ምስረከበን ዋና ቤት ጽሕፈት ኣብ ዓድና ከፍቱ ህዝቢና ብቀረባ ከገልግል ምዃኑ ከነረጋግጸልኩም ንፎቱ፡፡
ኢሮብ ኣኒና ሲቪል ማሕበረሰብ ንትርፊ ዘይሰርሕ፤ዘይመንግስታዊን ዘይሃይማኖታዊ ነጻ ውዳበ ሲቪል ማሕበረሰብ እዩ፡፡ እቲ ቀንዲ ዕላማኡ ድማ ድምፂ ህዝቢ ኢሮብ ምኻን'ዩ፡፡ “ኣኒና” ቋንቋ ሳሆ እንትኸውን፤ብቋንቋ ትግርኛ ትርጉሙ “ህልውና” ማለት'ዩ፡፡ ናይ ኢሮብ ኣኒና ሲቪል ማሕበረሰብ ራእይ፤ተልእኮ፤ዕላማታት፤ክብርታትን ኣድላይነትን ከምዝቅጽል እንትኸውን ኣድላይነት ማሕበርና ብዝምልከት ብሓጽር ዝተቀመጠ ስለዝኮነ ኣብ ቀጻሊ ብዝርዝርን ብስፍሓትን እነቅርቦ/እንገልጾ ይኸውን፡፡
ኣድላይነት ኢሮብ ኣኒና ሲቪል ማሕበረሰብ
ራእይ
ጠንካራ ማሕበረ-ቁጠባዊ መሰረት ዘለዎ፤ ሰብኣዊን ዴሞክራሲያዊን መሰላት ዝተሓለወሉን ዝተማለአሉን፣ ብዲሞክራሲያዊ ኣተሓሳስባ ዝማዕበለ፣ ብመንነቱ ዝሕበን፣ ኣብዝነብረሉ ከባቢ ኩሉ ኢሮባዊ ስነልቦናን ሓድነቱን ዝሓለወ ህዝቢ ኢሮብ ምርኣይ እዩ።
ተልእኮ
ውሽጣዊ ሓድነት ህዝቢ ኢሮብ ብምጥንኻር፤ ምስ ካልኦት መሰል ትካላትን ህዝብታትን ናይ ዕላማ ሓድነትን ምትሕብባርን ብምፍጣርን ብምዕቃብን፣ ናይ ህዝቢ ኢሮብ ድሕንነትን ህልውናን ብምሕላውን ንኽሕሎ ብምግባርን፣ ቀፃሊ ዕድላትን ውሕስናን እቲ ህዝቢ ብመፅናዕቲን ምርምርን ብምድጋፍ ቀፃልነትን ህልውናን ብዝለዓለ ብርኪ ምርግጋፅ እዩ።
ዕላማታት
ክብርታት ኢሮብ ኣኒና ሲቪል ማሕበረሰብ