Follow IACS on Twitter

IROB ANINA CIVIL SOCIETY (IACS) is a nonprofit certified in #Canada and operating globally. One of our objectives is advocating for #Irob & #Tigray.

Follow IACS

ብዛዕባ ኢሮብ ኣኒና ሲቪል ማሕበረሰብ!

ኢሮብ ኣኒና ሲቪል ማሕበረሰብ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣህጉራትን ሃገራት ዓለምና ብዝርከቡ ደቂ ኢሮብ ዝተጣየሽ ሲቪል ውዳበ ማሕበረሰብ ኢሮብ ኮይኑ ኣብ ካናዳ ብፈደራል ደረጃ ንትርፊ ዘይተቋቋሙ ትካላት ንምምዝጋብን ንምምሕዳርን ብዝስረሓሉ ሕጊ መሰረት ተመዝግቡ ብኣቆፃፅራ ኣውሮፓዊያን April 7, 2021 ሙሉእ ሕጋዊ ሰውነትን ናይ ስራሕ ፊቃድን ረክቡ ኣሎ፡፡ 

ኣብ ካናዳ ዝነብሩ ኣባላት ኢሮብ ኣኒና ሲቪል ማሕበረሰብ ማሕበርና ኣብ ካናዳ ተመዝግቡ ሕጋዊ ሰውነትን ናይ ስራሕ ፍቃድን ንክረክብ ዝገበሩ እንትኸውን ኣወዳድባኡን ንጥፈታቱን ግን ዓለምለኻዊ’ዩ፡፡ ኣመራርሓኡ ድማ ኣብ ኩለን ክፍላተ ዓለማትን ሃገራትን ካብዘለው ኣባላት ዘሳትፍ'ዩ፡፡ ንሓዋሩ ከምከም ኣድላይነቱ ኣብ ዝተፈላለ ሃገራት ክምዝገብን ክሰርሕን እንትኸውን፤ንግዜኡ ካናዳ ከም ዋና ማእከል/ቤት ጽሕፈት ማሕበርና ኮይኑ ከገልግል’ዩ፡፡ ኩሎም ወረርቲ ካብ ትግራይ ወጽኦም ኣብ ዓዲና ሕጊን ስርዓትን ናብ ንቡሩ ምስተመልሰን ማሕበርና ኣብ ትግራይ ብሕጋዊነት ተመዝግቡ ናይ ስራሕ ፍቃድ ምስረከበን ዋና ቤት ጽሕፈት ኣብ ዓድና ከፍቱ ህዝቢና ብቀረባ ከገልግል ምዃኑ ከነረጋግጸልኩም ንፎቱ፡፡ 

ኢሮብ ኣኒና ሲቪል ማሕበረሰብ ንትርፊ ዘይሰርሕ፤ዘይመንግስታዊን ዘይሃይማኖታዊ ነጻ ውዳበ ሲቪል ማሕበረሰብ እዩ፡፡ እቲ ቀንዲ ዕላማኡ ድማ ድምፂ ህዝቢ ኢሮብ ምኻን'ዩ፡፡ “ኣኒና” ቋንቋ ሳሆ እንትኸውን፤ብቋንቋ ትግርኛ ትርጉሙ “ህልውና” ማለት'ዩ፡፡ ናይ ኢሮብ ኣኒና ሲቪል ማሕበረሰብ ራእይ፤ተልእኮ፤ዕላማታት፤ክብርታትን ኣድላይነትን ከምዝቅጽል እንትኸውን ኣድላይነት ማሕበርና ብዝምልከት ብሓጽር ዝተቀመጠ ስለዝኮነ ኣብ ቀጻሊ ብዝርዝርን ብስፍሓትን እነቅርቦ/እንገልጾ ይኸውን፡፡ 

ኣድላይነት ኢሮብ ኣኒና ሲቪል ማሕበረሰብ  

ራእይ

 ጠንካራ ማሕበረ-ቁጠባዊ መሰረት ዘለዎ፤ ሰብኣዊን ዴሞክራሲያዊን መሰላት ዝተሓለወሉን ዝተማለአሉን፣ ብዲሞክራሲያዊ ኣተሓሳስባ ዝማዕበለ፣ ብመንነቱ ዝሕበን፣ ኣብዝነብረሉ ከባቢ ኩሉ ኢሮባዊ ስነልቦናን ሓድነቱን ዝሓለወ ህዝቢ ኢሮብ ምርኣይ እዩ።

ተልእኮ

 ውሽጣዊ ሓድነት ህዝቢ ኢሮብ ብምጥንኻር፤ ምስ ካልኦት መሰል ትካላትን ህዝብታትን ናይ ዕላማ ሓድነትን ምትሕብባርን ብምፍጣርን ብምዕቃብን፣ ናይ ህዝቢ ኢሮብ ድሕንነትን ህልውናን ብምሕላውን ንኽሕሎ ብምግባርን፣ ቀፃሊ ዕድላትን ውሕስናን እቲ ህዝቢ ብመፅናዕቲን ምርምርን ብምድጋፍ ቀፃልነትን ህልውናን ብዝለዓለ ብርኪ ምርግጋፅ እዩ።

ዕላማታት 

  1. ሰብኣዊን ዴሞክራሲያዊን መሰላት ህዝቢ ኢሮብ ከምኡ እውን ቁጠባዊ ዛዕባን ዝመሳሰሉ ኩነታት ህዝቢ ምክትታል፣ ምግምጋም፣ ምትንታን ሓብረታን ምክረሓሳባትን ንህዝቢ፣ ንመንግስቲን ንኩሎም ንዝምልከቶም ወገናት ምቅራብ፤
  2. ሲቪላዊ፣ ቁጠባዊ፣ ናይ ምልማዕ መሰላት ህዝቢ ኢሮብ ንኽዓቢዩ ምሕጋዝ፣ምስራሕን ምሕላዊን፤
  3. ፍትሒን ማዕረ ተጠቃሚነትን ህዝቢ ኢሮብ ምርግጋፅ፤ ብተወሳኺ ዝኾነ ጥሕሰት ኣብ ዘጋጠመሉ ግዜ ንዝምልከቶም ክልላዊ፣ ሃገራዊን ዓለምለኻዊ ትካላት ብሓፈሻ ሙሉእ ህዝቢ ንኽፈልጥ ብምግባር ናይ መስተኻኸሊ ስጉምቲ ንኽውሰደሎም ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ዘተ ምግባርን ብሕጊ ምክርኻርን፤
  4. ህዝቢ ኢሮብ ቋንቋኡ፣ ባህሉ፣ መንነቱ፣ ሓድጉ፣ ቅርሱን፤ታሪኹን ሓፈሻዊ ክብርታቱን ንምሕላውን ንምዕባይን ንዝግበሮም ፃዕርታት ምብሪቲታዕን ምሕጋዝን፤
  5. ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ፀገማት ብምንፃርን ቀደምሰዓብ ብምትሓዝን፤ መናእሰይን ካልኦት ክፋላት ማሕበረሰብ ኢሮብ እግሪ ኣብምትካል ስራሓውቲ ምስታፍ፤ ከምኡ እውን ብመፅናዕቲን ምርምርን ኣብዝተነፀሩ ፀገማት ማሕበረሰብ ስነልቦናዊን መሰረታዊን ትምህርቲ ኣብ ምምሃር ምስታፍን ስራሕቲ ልምዓት ንኽስፋሕፋሕ ምሕጋዝን፤
  6. ኣብ ህልውና ህዝብና ብተፈጥሮ ይኩን ብሰብ ስራሕ ንዘጋጥሙ ከም ስነልቦናዊ፣ቁጠባዊን ማሕበራዊን ፀገማት ንምፍታሕ ይኩን ዳግም ኣብ ምቑቋም ምስ ሃገራዊን ዓለምለኸ ትካላት ብሙኳን ምስራሕ፤
  7. ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ብስደት ዝነብሩ (ዝህልው/ዖቅባ ዝሓቱ) ደቂ ኢሮብ መሰሎም ንክፈልጡን ንክክበረሎምን ሓገዝ ምግባር፤
  8. እዞም ዕላማታት ንምስካዕ ንዝሕግዙ ፕሮጀክትታት ካብ ህዝቢን ለጋሳት ትካላትን ናይ ገንዘብ ሓገዝ ምትእክካብ/ምድላይ፤

    ክብርታት ኢሮብ ኣኒና ሲቪል ማሕበረሰብ


    EMAIL US TO LEARN MORE »